ፒኤስጂ ወይስ ኣርሰናል? ኣብ ሙኒክ ንዝካየድ ፍፃመ ….
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፀወታ መልሲ ፍርቂ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ፒኤስጂ ኣብ ሜዳኣ ፓርክ ደ ፕሪንስ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ንኣርሰናል ክተተኣናግድ ኢያ።
ናይ ሎሚ መዓልቲ ተናሓናሕቲ ፍርቂ ፍፃመ ጋንታታት ኣብ ታሪኸን ፅዋዕ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ተዓዊተን ኣይፈልጣን።
ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ኤሚሬትስ ኣብ ዝገበረኦ ቀዳማይ እግሪ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ፈረንሳዊት ጋንታ ፒኤስጂ ብብሕታዊት ሸቶ ኦስማን ዴምቤሌ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓራ ይዝከር።
ኣሰልጣኒ ፒኤስጂ ሉዊስ ኤንሪኬ ቅድሚ ፀወታ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፥ “ኣብ ፍርቂ ፍፃመ ዝበፃሕና ስለዝግበአና ኢዩ፤ ቀዳማይ ዙር ስዒርና ኢና፤ ሎሚ መዓልቲ እውን ዕላማና ምስዓር ኢዩ” ኢሎም።
ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ሚኬል ኣርቴታ ብግድኡ፥ “ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ፀወታታት ኣብ ተፃወትቲ ልዑል ነስሓን ቁጠዐን ተፈጢሩ ኢዩ፤ እቲ ቁጠዐ ንናይ ሎሚ ፀወታ ክንጥቀመሉ ኣለና” ኢሎም።
ኣብ ስታዲየም ፓርክ ደ ፕሪንስ ዝግበር ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ጀርመናዊ ዳኛ ፌሊክስ ዝዋየር ማእኸል ዳይና ብምዃን ክመርሑዎ ኢዮም።
እቶም ዋና ዳይና ቅድሚ ሕዚ ፀወታ ብምጭብርባር ተኸሲሶም ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ዳይነት ተኣጊዶም ከምዝነበሩ ይዝከር።
ካብ ክክለቲአን ጋንታታት ብድምር ውፅኢት ዝተዓወተት ኣብ ፍፃመ ምስ ጣልያናዊት ጋንታ ኢንተርሚላን ኣብ ስታዲየም ኣሊያንዝ ኣሬና ክትራኸብ ኢያ።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ