Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ስምረት መስራቲ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ስምረት(ስምረት) ፓርቲ መስራቲ ጉባኤኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የሳልጥ ኣሎ።

ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ውዳበ እቲ ፓርቲ ጌታቸው ረዳ ኣብ መኽፈቲ እቲ መስራቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንምሕላው ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

እቲ ፓርቲ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 5 ሺሕን 600 ኣባላት ምምዝጋቡ ብምሕባር፥ ኣባላቱ ኣብቲ መስራቲ ጉባኤ ክሳተፉ እንተደለዩ እውን ብምኽኒያት ፀገም ፀፅታ ክመፅኡ ዘይምኽኣሎም ሓቢሮም።

እቲ ፓርቲ ህዝቢ ትግራይ ብህወሓት ዝበፅሖ ዘሎ ፅዕንቶ ብሰለማዊ መገዲ ንምቅላስ ከምዝተመስረተ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ህወሓት ምስ ካልኦት ኣካላት ወፃኢ ብምውዳድ ኣብቲ ክልል ኢሉ ‘ውን ኣብ ሰላም ሃገር ኣሉታዊ ፅዕንቶ የሕድር ኣሎ ኢሎም።

ይካየድ ኣብ ዘሎ ጉባኤ 256 ኣባላት ድምፂ ብምሃብ ከምዝሳተፉ ተገሊፁ።

ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ብግደኦም፥ ንዝሓለፉ ልዕሊ 50 ዓመታት ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ሓደ ኣካል ዝነበረ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ናይ ፖለቲካ መጥቀሚ እናገበረ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ፓርቲ ስምረት ብሓይሊ ዘይኮነስ ብሓሳብ ዝተመስረተ ቃልሲ ንምግባር ምምስራቱ ናይ ህዝቢ ትግራይ  ሰላም ደላይነት ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ምስረታ ጉባኤ ዝተረኸቡ ናይ ብልፅግና ፓርቲ ናይ ዴሞክራሲ ባህሊ ህንፀት ዓውዲ መለሰ ኣለሙ፥ ንኢትዮጵያ መፃኢ ጉዕዞ ብልፅግና ፓርቲ ስምረት ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም።

ብነፃነት ፀጋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን! ፡

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.