Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ሰብ ተኮር ኢዩ ዝበሃል ንኹሉ ክፋል ማሕበረሰብ ሒዙ ዝጓዓዝ ብምዃኑ ኢዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ሰብ ተኮር ኢዩ ዝበሃል ንኹሉ ክፋል ማሕበረሰብ ሒዙ ዝጓዓዝ ብምዃኑ ኢዩ ኢሎ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡

ኣባላት ቤት ምኽሪ ፓርቲ ብልፅግና ካብ እንጦጦ ክሳብ 4 ኪሎ ፕላዛ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ጎብንዮም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ዑደት ከምዝበሉዎ÷ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምውቃብ ዝተወገኑ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ህይወት ዝቐየሩ ኢዮም፡፡

ብተበግሶ ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኹን ኣብ ካልኦት ክልላት ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ብቐረባ እናመርሑን እናተኸታተሉን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ፓርቲ ብልፅግና ሰብ ተኮር ኢዩ ዝበሃል ንኹሉ ክፋል ማሕበረሰብ ሒዙ ዝጓዓዝ ብምዃኑ ኢዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ልምዓት ኮሪደር ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ዝጥቀሙሎም ምቹው ጎዳናታት ከምዝፈጠረ ገሊፆም።

ቅድም ክብል ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ብዘይምህላዎም ፀገማት ትራፊክ የጋጥሙ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር፤ ኣብታ ከተማ ዝተሰርሑ ናይ እግረኛን ብስክሌትን መገዲታት ሓደጋ ትራፊክ እታ ከተማ ከምዝነከየ ሓቢሮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ እግረኛን ብስክሌትን መገዲታት ከምኡ እውን መዘውተሪ ስፖርት ነበርቲ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ብምግባር ሕብረተሰብ ጥዕንኡ እናሓለወ ከምዝርከብ ፀሪሖም፡፡

በዚ ድማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ነበርታ ሓሊፋ ንበፃሕቲ ትምቹ ከተማ ኮይና ኢሎም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.