Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ንኢትዮጵያዊያን ብሰፈር ከይፈላለየ ሓቚፉ ዝሓዘ ፓርቲ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ቅድመ ሐዚ ካብ ዝነበሩ ዝተፈለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎን ንኢትዮጵያዊያን ብሰፈር ከይፈላለየ ሓቚፉ ዝሓዘን ብሕታዊ ፓርቲ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ መበል ራብዓይ ክፋል ናይ መወዳእታ ቃለ መሕትቶም ቁመና ፓርቲ ብልፅግና ጠሚቶም መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ብልፅግና ተኣምራዊ ፓርቲ ኢዩ፤ ቅድመ ሐዚ ካብ ዝነበሩ ብኣተሓሳስባ፣ ኣወዳድባ፣ መጠንን ውፅኢትን ከምዝፍለ ተዛሪቦም።

ብኣወዳድባ፣ ኣተሓሳስባን ብዘምፀኦም ለውጢታትን ምስ ካልኦት ዝፍለየሉ መግለፂኡ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ፓርቲ ብልፅግና ብሰፈር ከይተፈላለየ ንኢትዮጵያዊያን ዝሓቖፈ ብሕታዊ ፓርቲ ኢዩ ኢሎም።

ድሕሪ ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ ፓርቲ ዝነበረ ምዕባለ ሓዊሱ ኣብዚ ሐዚ እዋን 16 ነጥቢ 3 ሚሊየን ኣባል ዘለዎ ፓርቲ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ፓርቲ ኢዩ ብምባል፥ ንኹሉ ዝሓቖፈ ምዃን፣ ካብ ዘለዎ ስፍሓት ብተወሳኺ ልዑል ራእይን ግልፂ ዝኾነ ኣሰራርሓን ስርዓትን ዘለዎ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ስያመ እቲ ፓርቲ ንኢትዮጵያ ጫፍ ምዕባለ ንምብፃሕ ዝተትሓዘ ሸቶ ንምዕዋት ካብ ዝተትሓዘ ራእይ ዝተዛመደ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ፓርቲ ብልፅግና ልኹሉ ክፍቲ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ኣብ ስልጣን መንግስቲ ንክሳተፉ ምግባር ናይዚ መርኣያ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

መናእሰይን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዘለዉ ኢትዮጵያዊያንን ዝሓቖፈ ምዃኑ ብምግላፅ፥ እቲ ፓርቲ ኣብ ሓዱሽ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ናይ ምቕባል ፀገም ከምዘይብሉ ገሊፆም።

 

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.