ፓርቲ ብልፅግና ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝወዳደረሉ ምልክት መረፃ ዕላዊ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝወዳደረሉ ምልክት መረፃ ዕላዊ ገይሩ፡፡
እቲ ፓርቲ “ንኢትዮጵያ ናብ ተምሳሌት ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዕላዊ መግበሪ ማኒፌስቶን ምልክት መወዳደሪ መረፃን ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈቱ እናካየደ ይርከብ፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ም/ፕሬዚዳንትን ፓርቲ ብልፅግናን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ተመስገን ጥሩነህ፣ ም/ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ሓላፊ ዋና ቤ ፅሕፈት እቲ ፓርቲን ኣደም ፋራህን ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ከምኡ እውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም፡፡
ኣይ ኣደም ፋራህ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብህዝቢ ተቐባልነት ረኺቡ ብምዕዋት ንኢትዮጵያ ናብ ተምሳሌት ሃገር ምስጋር ሸቶኡ ኢዩ ኢሎም፡፡
ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ፓርቲ ምልክት መረፃ “ናይ ስርናይ ሸዊት” ኮይኑ ዝተፋለጠ እንትኸውን እንትኸውን፤ እቲ ምልክት ናይ ምድማር፣ ምትሕብባርን ሓድነትን ምልክት ከምዝኾነ ዕላዊ ተገይሩ፡፡
“ትማሊ ምሕካም ንፅባሕ ምትላም” ብዝብል እቲ ፓርቲ ብኣርባዕተ ዘፈራት ዝትግብሮም ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ዘፈራት እውን መብርሂ ሂቦም፡፡
ፓርቲ ብልፅግና ብኻፈሻ 169 ገፅ ዘለዉዎ ማኒፌስቶ መረፃ ዕላዊ ዝገበረ እንትኸውን፤ እቶም ገፃት ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝትግበሩ 15 ዓምዲታት ከምዝሓዘ ተገሊፁ፡፡
ብሰለሞን በየነ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!