ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣ.ማ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣሕሊፋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሚቴ ውድድርን ስነ ስርዓት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ብፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ውሳነ መሰረት ኣብ ካለባት ሲዳማ ቡና፣ መቻልን ሃዋሳ ከተማን ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣሕሊፉ።
ሰለስቲኤን ክለባት ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምምሕዳር ስርዓት ክፍሊት ብምትሕልላፍ እገዳ ዝተነበረሎም ተፃወትቲ ብውሕዱ ሓደ ካብቶም ዝተኣገዱ ተፃወትቲ ኣብ ሜዳ ኣሰሊፈን እቲ ፀወታ ካብ ዝመርሑ ዳያኑ ብዝቐረበ ሪፖርት ተረጋጊፁ ውሳነ ምሕላፉ እቲ ኮሚቴ ገሊፁ፡፡
በዙይ መሰረት እተን ክለባት ተፃወትቲ ንምጥቃም ዘካየድኦ ፀወታታት ክስዓራ በዙይ እውን ንተጋጠምተን ሙሉእ ነጥቢ 3 ነጥቢ 3 ሽቶ ክምኡ እውን እተን ክለባት ኣብ ሕድሕድ ፀወታ ንሰለስቲአን ክለባት 0 ነጥብን 3 ሸቶን ዕዳ ንክምዝገብ ስነ ስርዓት ውድድር እቲ ኮሚቴ ወሲኑ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!