ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ትፅቢት ብዝግበረሎም ፀወታታት ክምለስ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተፈታዊ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዕረፍቲ ፀወታ ደርቢ ማንቹሪያን ሓዊሱ ትፅቢት ዝግበረሎም መርሃ ግብሪታት 4ይ ሰሙን ክምለስ ኢዩ፡፡
ኣብ መፀራዪ ፅዋዕ ዓለም 2026 ነኒሃገሮም እናተፃወቱ ዝቐነዩ ተፃወትቲ ናብ ጋንታኦም ተመሊሶም፡፡
ራብዓይ ሰሙን መርሃ ግብሪ እቲ ፕሪሚየር ሊግ፤ ፅባሕ 8፡30 ኣርሰናል ኣብ ስታዲየም ኢምሬትስ ንኖቲንግሃም ፎረስት ብተተኣናግዶ ፀወታ ምሳሕ ሰዓት ክፍልም ኢዩ፡፡
ክልተ ፀወታታት ብምዕዋት ብሊቨርፑል ስዕረት ዘተኣናገደት ኣርሰናል ብ6 ነጥቢታት ኣብ 3ይ ደረጃ ዝተቐመጠት እንትትከውን፥ ፅባሕ ክትዕወት ኢያ ዝብል ግምት ተዋሂቡዋ ኣሎ፡፡
ንሰልጣኒ ኑኖ እስፒሪቶ ሳንቶ ብምትካእ ንፎረስት ዝተረከቡ ነበር ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ሆትስፐር ኣንጄ ፖስቴኮግሉ ሓዳሽ ጋንተኦም እናመርሑ ፈላማይ ፀወተኦም ከካይዱ ኢዮም፡፡
ቦርንማውዝ ምስ ብራይተን፣ ክሪስታል ፓላስ ምስ ሰንደርላንድ፣ ኤቨርተን ምስ ኣስቶን ቪላ፣ ፉልሃም ምስ ሊድስ ከምኡ እውን ኒውካስል ምስ ወልቭስ ፅባሕ ሰዓት 11 ዝግበሩ ፀወታታት ኢዮም፡፡
ምሸት ሰዓት 4፡00 ቼልሲ ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ብሬንትፎርድ ትራኸብ እንትትከውን፥ ቅድሚ እዚ ፀወታ ምሸት ሰዓት 1፡30 ኣብ ደርቢ ለንደን ዌስትሃም ምስ ቶተንሃም ክራኸባ ኢየን፡፡
ናይዚ ሰሙን ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ሰንበት ዝግበር እንኸውን፥ ምሸት 12፡30 ኣብ ስታዲየም ኢቲሃድ ደርቢ ማንቹሪያን ከተኣናግድ ኢዩ፡፡
ምስ ናይ ከተማ ተናሓናሒታ ትገጥም ማንቸስተር ሲቲ፤ ቅድሚ ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ካብ ትገብሮ ፀወታ ብዙሓት ተፃወትቲ ብጉድኣት ምስኣና ንፔፕ ጋርዲዮላ ፈተና ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ክልቲአን ጋናታታት ኣብቲ ኣብ ኢቲሃድ ዝገበረቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀወታታት ሲቲ ሰለስተ ግዘ እንትትስዕር ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ክልተ ፀወታታት ዓወት ቀኒዑዋ፡፡
ካብዚ ፀወታ ኣቐዲሙ ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብቲ ሊግ ሰለስቲኡ ፀወታ ዓወት ዘመዝገበት ብሕታዊት ጋንታ ሊቨርፑል ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ በርንሌይ ክገጥም ኢያ፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!