Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሺ ሃገራት ንፍትሓዊ ዓለማዊ ስርዓተ ምሕደራ ብሓባር ክሰርሑ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ሃገራት ዝያዳ ፍትሓዊ ዓለማዊ ስርዓተ ምሕደራ ብሓባር ክሰርሓ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቶም ፕሬዚዳንት ነዙይ ዝበሉ ኣብ ቻይና ትርከብ ከተማ ሻንጋይ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ኣኼባ ምትሕብባር እዩ፡፡

ምምሕዳር ዓለም ኢንሼቲቭ ኣብ ምኽባር ልኡላዊ ማዕርነት፣ ምድጋፍ ኣህጉራዊ ልዕልነት ሕጊ፣ ምትግባር ብዙሕነታዊ ምትእስሳር፣ ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ኣካይዳ ምድጋፍን ጭቡጥ ስጉምትታት ኣብ ምውሳድን ዘተኮረ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ሓደሽቲ ስግኣታትን ብድሆታትን በብእዋኑ ይቕልቀሉ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ፤ ዓለም ናብ ሓድሽ ዘመን ንጥፈታትን ለውጥን ኣትያ ኣላ ኢሎ።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.