Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ቡሩንዲ ኤቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ንዕላዊ ዑደት ኣዲስ ኣበባ ኣትዩም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ቡሩንዲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካ ኤቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ንዕላዊ ዑደት ኣዲስ ኣበባ ኣትዩም፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ምስ በፅሑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣቀባብላ ገይሮሎም።
ኢትዮጵያን ቡሩንዲን ነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ዘለወን ሃገራት እንትኾን፤ ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስተራት ብምጥያሽ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምትሕብባርን ኣብ ምጥንኻር ይርከቡ።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀንሕሎም እዋን ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘብፅሑ ጉዳያት ዘተ ከካይዱ ትፅቢት ከምዝግበር ግዜኢ ፀብፂቡ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.