ፕሬዚዳንት ታዬ በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር መኣዲ ኣካፊሎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ዝቕፅል በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ንዓቕመ ደካማ ወገናት መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ኣካይዶም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ መኣዲ ምክፋል ብፈጣሪ ዝተፈተወ ሰናይ ተግባር ከምዝኾነ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዓቕመ ደካማ ወገናት ኣብ እዋን በዓላት ገዛ ዓፂኻ ምሕላፍ ኣይግባእን ብዝብል ዝጀመሩዎ ተበግሶ ኢትዮጵያዊ ባህሊ ምትሕግጋዝ ብዝበለፀ ክምዕብል ከምዝገበረ ፀሪሖም።
እዚ ናይ ምርድዳእ ተግባር ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ እዋን በዓል ገዘኦም ባዶ ከይኸውንን ምስ ካልኦት ወገናት ብሓባር ንኸሕልፉ ዘኽእል ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡