ፕሬዚዳንት ታዬ ብሕልፈት ኣምባሳደር ቆንጂት ስነ ጊዮርጊስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ብሕልፈት ኣምባሳደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ሓዘን÷ ኣምባሳደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ብምሕላፈን መሪር ሓዘን ተሰሚዑኒ ኢሎም።
ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ንሃገረን ኢትዮጵያን ንኣፍሪካን ንዘበርከተኦ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ፣ ኣስተምህሮን ንቑሕ ኣመራርሓን ኩሉ ግዘ ክዝከራ ኢየን ኢሎም።
ኣምባሳደር ቆንጂት ትግህቲን ካብ ሓፂን ዝጠንከራን ዲፕሎማት ከምዝነበራ እውን ኣዘኻኺሮም።