ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስለሰ ኩባንያ ኬኛ ቤቬሬጅስ መሪቆም ስራሕ ኣጀሚሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስለሰ ኩባንያ ኬኛ ቤቬሬጅስ ሎሚ መሪቆም ስራሕ ኣጀሚሮም፡፡
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራልን ክልልን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ልዕሊ 22 ቢሊየን ብር ኢንቨስት ተገይሩ ኣብ 110 ሄክታር መሬት ዝተቀመጠ ህንፀት ኩባንያ ኬኛ ቤቬሬጅስ ተዘዋዊሮም ዑደት ገይሮም፡፡
ኣብ ዓመት ልዕሊ 3 ሚሊየን ሄክቶ ሊተር ምፍራይ ዝኽእል እቲ ኩባንያ፤ብብርኪ ዓለም ብቴክኖሎጂ ተወዳዳሪ ምዃን ከምዝኽእል ተገሊፁ።
ብኣክስዮን ማሕበር ዝተመስረተ እቲ ኩባንያ ልዕሊ 4 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ኣክሲዮናት፣ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ትካላትን ኣብ ሓደ ብምእካብ ዓቕሚ ሃገር ዘርኣየ ሃገር ቦቆል ኩባንያ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ን250 ሰባት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ እንትኾን ብሙሉእ ዓቕሙ ስራሕ እንትጅምር ን1000 ሰባት ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጥር ተሓቢሩ፡፡
ብማርታ ጌታቸው
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!