ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ ንማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ምስጋና ኣቕሪቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ ንኣባላት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡
“ሰብኣውነት ነሐይል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኪ ዓለም መበል 78 ግዘ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 67 ግዘ መዓልቲ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕን ወርሕን ይኽበር ኣሎ፡፡
እቲ ዕለት ኣመልኪቱ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ንዝሰርሖም ተግባራት ግዲኦም እናበርከቱ ዝርከቡ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡
ኣብ መልእኽቶም ንማሕበረሰብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፣ መሓዙት ኣካላት፣ ወለንታውያን ሰራሕተኛታትን ልባዊ ምስጋናኦም ከምዘቕረቡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ዓለምለኸ መዓልቲ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ብብርኪ ሃገር ኣብ ከተማ ኣዳማ ብዝተፈላለዩ መደባት ፈፀምቲ ስራሕ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፣ ሰራሕተኛታት፣ ወለንታውያን ዝምልከቶም ኣካላትን ከምኡ እውን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸብሉ ተኸቢሩ፡፡