Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ በዓል ጥምቀት ንምኽባር ናብ ከተማ ጎንደር ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን በዓል ጥምቀት ንምኽባር ናብ ከተማ ጎንደር ኣትዮም።

ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ካብ ጥሪ ናብ ጥሪ ታሪኽ፣ ባህሊን እምነትን ናብ ዝዝረበላን ዝዝየመላን ጎንደር ኣቲና ኣለና ኢሎም።

ኣብታ ከተማ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፥ ታሪካዊ ቦታታትን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓትን ከምዝርእዩ ሓቢሮም።

ምስ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ብምዃን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣፄ ቴዎድሮስ እንትበፅሑ  ንዝተገበረሎም ኣቀባብላ አመስጊኖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.