ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ናብ ኣንጎላ ሉዋንዳ ኣቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ንምስታፍ ናብ ኣንጎላ ሉዋንዳ ኣቲዮም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሉዋንዳ እንትበፅሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡
ናይዚ ዓመት ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካን ኣሜሪካን÷ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ኣፍሪካ ብዝምልከት ትኽተሎ ፖሊሲ ርክባት ወፃኢ ድጋፍ መሰረት ካብ ዝገበረ ናብ ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምልዋጥ ምውሳኑ ስዒቡ ዝካየድ ምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ።
ኣብቲ ጉባኤ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ሚኒስትራት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኣሜሪካን መራሕቲ ቢዝነስን ሓዊሱ 1 ሺሕን 500 ተሳተፍቲ ክርከቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡
እቲ ጉባኤ ኣብ ሞንጎ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ዘሎ ርክብ ንግድዲን ኢንቨስትመንትን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ምቹዋት ኩነታትን ዕድላትን ብምጥማት ምይይጥ ብምግባር ቀፀልቲ ኣንፈታት ንምቕማጥ ዝዓለመ ኢዩ።
ኣብቲ ጉባኤ ፕሬዚዳንት ታዬ መደረ ዝገብሩ እንትኾኑ÷ ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ድማ ክልተኣዊ ልዝባት ከምዘካይዱ ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!