ፕሬዚዳንት ትራምፕ፥ ምስ ኢራን ስምምዕነት ኒውክሌር ንምፍፃም ቀሪብና ኣለና ኢሎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናለድ ትራምፕ፥ ምስ ኢራን ስምምዕነት ኒውክሌር ንምፍፃም ቀሪብና ኣለና ኢሎም።
እቶም ፕሬዚዳነት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኢራን ዩናይትድ ስቴትስ ዘቕረበቶ ድርድር ኒውክሌር ብእወንታ ከምእትርእዮ ሓቢሮም።
ከይዲ እቲ ስምምዕነት ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ብምሕባር፥ ኣብ ዝቕፅላ ሒደት መዓልታት ኢራን እቲ ድርድር ክትቅበሎ ትኽእል ኢያ ኢሎም።
ኢራን ሓያል ሃገር እቲ ዞባ ንምዃን አትገብሮ ፃዕሪ ከመዝድግፉ ብምግላፅ፥ ብኣንፃሩ ኣፅዋር ኒውክሌር ንክትዕጠቕ ኣይንፈቅድን ምባሎም ኣይራን ዋየር ኒውስ ፀብፂቡ።
ብሚኪያስ ኣየለ