ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ስታዲየም ፍፃመ ፀወታ ይርከቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፍፃመ ክለባት ዋንጫ ዓለም ንምዕዛብ ኣብ ስታዲየም ይርከቡ።
ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ስታዲየም ሜት ላይፍ ብምርካብ ናይ ፍፃመ ፀወታ ክሳተፉ ምዃኖም ዴይሊ ሜል ስፖርት ፀብፂቡ፡፡
ብሓድሽ ኣቀራርባ 32 ጋንታታት ኣሳቲፉ እቲ ውድድር ዝተጀመረ ዋንጫ ዓለም ክለባት 2025 ኣብዚ ሕዚ እዋን ፍርቂ ፍፃመ ፀወታ ይካየድ ኣሎ።
ፍርቂ ፍፃመ ፀወታ ኣቀዲማ ዝተሳተፈት ቼልሲ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ዝጫወቱ ሪያል ማድሪድን ፒኤስጂን ኣብ ፍፃመ ተዓወትቲ ፀወታ ክትገጥም ኢያ።
ፍፃመ ዋንጫ ዓለም ክለባት ኣብዚ ኣብ ስታዲየም ሜትላይፍ ቀፃሊ ሰንበት ዝካየድ ክኾን እዩ።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!