ፕሬዚዳንት ኢቫሪስት ንዲያሺሚዬ ዑደት ኢትዮጵያ ዛዛሞም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ቡሩንዲን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካን ኢቫሪስት ንዲያሺሚዬ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ዛዛሞም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ኢቫሪስት ንዲያሺሚዬ ኣፋንዮምዎም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ፕሬዚዳንት ኢቫሪስት ንዲያሺሚዬ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቦም ከምዘፋነውዎም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።