Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ዘለንስኪ ኲናት ብቕልጡፍ ጠጠው ክብል ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም – ትራምፕ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኲናት ሩሲያ ዩክሬን ጠጠው ከብሉዎ ይኽእሉ ኢዮም ኢሎም ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡፡

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ምስ ዩክሬን መዘነኦም ኣብ ዋሽንግተን ንምዝርራብ ካብ ዝሓዙዎ ቆፀሮ ኣቐዲሞም ኣሜሪካ ተቕርቦ ሓሳብ ሰላም ዩክሬን ንኽትቅበል ድፍኢት እናገበሩ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ኣላስካ ዝነበሮም ፃንሒት ብዘይ እኹል ስምምዕነት ምዝዛሙ ስዒቡ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ምስ ዩክሬን መዘነኦም ሎሚ መዓልቲ ንምርኻብ ቆፀሮ ሒዞም ኣለዉ።

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ ሚኢያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ እቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ውሳነ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ትፅቢት ይግበረሉ ኢሎም፡፡

ዘለንስኪ ኣብ ወሰንቲ ነጥቢታት ናብ ስምምዕነት ክመፅኡ ፀቕቲ እናገበሩ ዝርከቡ ትራምፕ÷ ብፍላይ ክሬሚያ ናብ ዩክሬን ትመለስን ዩክሬን ኣባል ቃል ቂዳን ጦር ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ትኹን ዝብሉ ሓሳባት ንድርድር ክቐርቡ የብሎምን ኢሎም፡፡

እቲ መረፃ ግልፂ ኢዩ ፕሬዚዳንት ዘለንስኪ ኣብ ወሰንቲ ነጥቢታት እንድሕር ተስማዕሚዑ እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ኢዩ፤ እንተዘይኮይኑ ግብ እቲ ደማዊ ኲናት ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.