Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ፑቲን ንመዘነኦም ፕሬዚዳንት ዩክሬን ኣብ ሞስኮ ዑደት ክገብሩ ዓዲሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንመዘንኦም ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ሞስኮ ሩስያ ዑደት ክገብሩ ምስኦም ክዛተዩ ዓዲሞም፡፡

ፕሬዚዳንት ፑቲን ኣብ ቻይና ዝገብርዎ ዑደት ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ኣብ ቻይና ዝነበሮም ዑደት ውፅኢታዊ ከምዝነበረን ዑደት ሩሲያን ቻይና ንመፃኢ ምትሕብባር ዘጠናኽር ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ እዋን ዑደቶም ዩክሬን ሓዊሱ ዝኾነት ሃገር ሃገራዊ ድሕንነታ ክትሕሉ ከምእትኽእል ኮይኑ ግና ዝኾነት ሃገር ብዋጋ ሩስያ ሃገራዊ ድሕንነታ ኣብ ሓደጋ ክትወድቕ ከምዘይግባእ ምስቶም መራሕቲ ኣብ ዝነበሮም ዘተ ተዛሪቦም።

ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብዛዕባ እቲ ኲናት ንምዝታይ እንተደልዮም ሞስኮ በራ ክፍቲ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም ክብል ቢቢሲን ስፑትኒክ ኒውስን ፀብፂቦም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.