Fana: At a Speed of Life!

ፕሮጀክታት ኮይሻ  መንግስቲ ንሃገራዊ ፀጋታት ዝሃቦ ጠመተ ዘርእይ ኢዩ -ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሮጀክታት ኮይሻ  መንግስቲ ንሃገራዊ ፀጋታት ዝሃቦ ጠመተ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።

ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ 2018 ዓ.ም ናይ መጀመሪታ 100 መዓልታት ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ  መድረኽ ኣብ ኮይሻ ግድብ ምስ ሚኒስትራትን ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕን ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ  ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ÷ መጀመሪያ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ናይ ኮይሻ ፕሮጄክት ኣብ ጅማሮ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ይኹን እንበር ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከይዲ ህንፀት ብዝማዕረገ መገዲ ምዝዛሙ ተዛሪቦም።

ኮይሻ ሓይሊ አሌክትሪክ መፈልፈሊ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝገርም መስሕብ ቱሪዝም ዝወነነ ከባቢ ኢዩ ኢሎም።

ግድብ ኮይሻ ሙሉእ ብሙሉእ እንትዛዘም  1 ሺሕን 800 ሜጋ ዋት ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ከምዘለዎ ገሊፆም።

እቲ ከባቢ ወሓዚ ሩባ ኦሞ፣ ጨበራ ጩርጩራ ብሄራዊ ፓርክን ዝተፈላለዩ ጎቦታትን ወሓዝቲ ሩባታትን ዝሓዘ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ  ሎጃትን መሀደሲ ስፍራታትን ክህነፅሉ ከምዝኽእሉ ኣብሪሆም።

ስለዚ ፕሮጀክታት ኮይሻ  መንግስቲ ንሃገራዊ ፀጋታት ዝሃቦ ጠመተ ዘርእይ ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣረጋጊፆም።

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.