Fana: At a Speed of Life!

ፕሮጀክትታት ብስራት ጉባ ሃገር ናይ ምምዕባል ራእይ ዕላዊ ዝገብሩ ኢዮም – ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብብስራት ጉባ ዕላዊ ዝገበረቶም ፕሮጀክትታት እንትዛዘሙ ሃገር ናይ ምምዕባል ራእይ ዕላዊ ዝገብሩ ኢዮም  ኢሎም ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)።

ኣብ ኩለን ክፍላተ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ “ ብስራታት ጉባ ትሩፋታት ናይ ምድማር መንግስቲ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ  ህዝባዊ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ኣብ ዝተኻየደ መድኽ ዘተ ዝተረኸባ ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፥ ከተማና ንምቕያር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግደ ነበርቲ ልዑል ኢዩ ኢለን።

ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ብብስራት ጉባ ዕላዊ ዝገበረቶም ፕሮጀክትታት እንትዛዘሙ ሃገር ናይ ምምዕባል ራእይ ዕላዊ ዝገብሩ ኢዮም  ኢሎም።

ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲያዊ ባህሊ ፓርቲ ብልፅግና መለስ ኣለሙ ብተመሳሳሊ፥ መስ ናህሪ ናብሪ ብዝተዛመደ ዘለዉ ፀገማት ንምቕራፍ ሰብ ተኮር ልምዓታትን ኣፍራይነትን ጠመተ ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፥ ከም ሃገር ኢሉ ‘ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኸቡ ዓወታት ብሕብረትን ተሳትፎን ህዝቢ ዝተመዝገቡ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባር ምትሕብባርን ሓድነትን ከምዘድሊ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.