Fana: At a Speed of Life!

ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ደረቕ ወደብ እንዶዴ ኣብ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ዘለዎ ርኡይ ለውጢ የምፅእ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ደረቕ ወደብ እንዶዴ ኮንቲነራት ናይ ምትንጋድ ዓቕሚ ብምዕባይ ኣብ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ዘለዎ ርኡይ ለውጢ የምፅእ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡
ኣብ ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ደረቕ ወደብ እንዶዴ ዑደት ዘካየዱ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ፕሮጀክት ማሕበር ኣክሲዮን ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ኣብ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ርኡይ ለውጢ ካብ ዘካይዶም ዘለዉ ፕሮጀክትታት ሓደ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ብ1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝካየድ ቀዳማይ ምዕራፍ ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ንምዝዛም ተተሊሙ እናተሰርሐ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣፈፃፅምኡ 98 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ገሊፆም፡፡
እቶም ፕሮጀክት እንትዛዘም 1 ሺሕ ኮንተይነራት ጥራሕ ናይ ምትእንጋድ ዓቕሙ ናብ 4 ሺሕን 500 ክብ ብምባል ትርጉም ዘለዎ ለውጢ የምፅእ ኢሎም፡፡
ብተወሳኺ ህንፀት እቲ ወደብ ምስተዛዘመ ዝኣቱን ዝወፅእን ናይ ኮንተይነር ፅዕነት ንምፅዓንን ንምርጋፍን ዝወስዶ ግዜ ካብ ልዕሊ 10 ሰዓታት ናብ ክልተ ሰዓት ናይ ምንካይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ዝካየድ እቲ ፕሮጀክት ማእኸል ፅዕነት መዳበርያ ሓመድ ዝተኣናገድሉ እዩ፤ 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ዝውድእን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣፈፃፅማ 22 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም፡፡
ብተወሳኺ ብ560 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝህነፅ መስመር ባቡር ሃዲድ ከም ኣካል ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ደረቕ ወደብ እንዶዴ ይትግበር ከምዘሎ እውን ገሊፆም።
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.