ፕሮግራም ጥምረት ንፅሬት ሆስፒታላት ኢትዮጵያ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ጠቓሚ ኢዩ – ዶ/ር መቅደስ ዳባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሮግራም ጥምረት ንፅሬት ሆስፒታላት ኢትዮጵያ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ጠቓሚ ኢዩ ኢለን ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ፡፡
4ይ ዙር መርሃ ግብሪ ምሃብ ኣፍልጦ ጥምረት ንፅሬት ሆስፒታላት ኢትዮጵያ ተኻይዱ፡፡
ዶ/ር መቅደስ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፤ እቲ ጥምረት ካብ ምስረታኡ ጀሚሩ ድሌት ኣገልግሎት ጥዕና ማሕበረሰብን ኣወሃህባ ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽን እናሰርሐ ይርከብ።
በዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ሆስፒታላት ጥንኩር ምትእስሳር ብምፍጣር ጠለብ ኣገልግሎት ሕክምና ሕብረተሰብንምድንፋዕን ምቹው ኣሰራርሓ ከምዝፈጠረ ገሊፀን።
ብብርኪ ሃገር ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ንመሃብ ናውቲ ሕክምና ናይ ምምላእ ስራሕ እናተሰርሐ ምፅንሑ ብምሕባር፤ ከም ሃገር 64 ኦክስጂን መፍዪ ትካላት ምጥያሽ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሀን፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶ/ር ደረጀ ዱጉማ ብግደኦም ሓደሽቲ ኣሰራርሓታትን ፈጠራታትን ብምጥቃም ሆስፒታላት ኣገልግሎተን ከመሓይሻ ከምዘለወን ተዛሪበን።
4ይ ዙር መርሃ ግብሪ ምሃብ ኣፍልጦ ጥምረት ንፅሬት ሆስፒታላት ኢትዮጵያ ልዑል ውፅኢት ዘመዝገቡ 30 ሆስፒታላት ተሸሊሞም።
በሄብሮን ዋልታው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!