ፖሊስ ገበን ናይ ምክልኻል ልኡኽ ብብቕዓት ምፍፃም ዘኽእል ዓቕሚ ሃኒፁ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ፖሊስ ኢትዮጵያ ገበን ብምክልኻል ዘላቒ ሰላም ህዝቢ ናይ ምሕላው ልኡኽ ብብቕዓት ምፍፃም ዘኽእል ዓቕሚ ሃኒፁ ኢዩ ኢሎም።
ዩንቨርስቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ካብ ስሩዕ ሰርተፊኬት ክሳብ ካልኣይ ዲግሪ ዘሰልጠኖም ተምሃርኡ ኣመሪቑ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፥ ፖሊስ ሰላም ሃገርን ድሕንነት ዜጋታትን ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ኣጠናኺሩ ክቕፀል ይግባእ ኢሎም።
ሰላም ኢትዮጵያ ብምፅናዕ ማእኸል ስልጠነኣ ምቕፃል ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።
ንዘበናት ዝተሃነፁ እወንታዊ ክብሪታት ሓሊኻ ምቕፃል ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም።
ሰላም ህዝቢ ዝህውኹ ኣካላት ናብ ዘተ ምምፃእ ከምኡውን ምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!