Fana: At a Speed of Life!

‎ፅዋዕ ሴካፋ ትሕቲ 17 ዓመት ብፋና+

‎ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)‎ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ሳልሳይ መፃረዪ ውድድር ፅዋዕ  ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ(ሴካፋ) መርሃ ግብሪ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊያ ኣብ ዝገብርኡ ፀወታ ብፋና+ ቴሌቪዥን ቻናል ብቐጥታ ይመሓላለፍ።

እቲ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ፀወትኡ ሎሚ ሰዓት 10፡00 ኣብ ስታዲየም ኣበባ ቢቂላ ምስ ሶማሊያ ክጋጠሙ ኢዮም።

ኣብቲ ስታዲየም ሰዓት 7፡00 ሩዋንዳ ምስ ኬኒያ ክፃወታ ኢየን።

ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ምድቡ ክልተ ፀወታታት ብምስዓር 6 ነጥቢ ብምእካብ ይመርሕ ኣሎ።

ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ድማ ኣብ መድብ ክልተ ዝርከባ  ጂቡቲን ብሩንዲን ሎሚ ሰዓት 10፡00 ክራኸባ ኢየን።

ምሽት ሰዓት 1፡00 ኡጋንዳ ምስ ታንዛኒያ ክጫወታ ኢየን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.