Fana: At a Speed of Life!

10 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብፅሒታት ኣክሲዮን ኢትዮ ቴሌኮም ተሸይጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መሸጣ ኣክሲዮን 10 ሚኢታዊ ኢትዮ ቴሌኮም 10 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብፅሒታት ኣክሲዮን ከምዝተሸጡ ኢትዮ ቴሌኮም ኣፍሊጡ።

ከይዲ መሸጣ እቲ ኣክሲዮን ን121 መዓልቲታት እናተኻደ ዝፀንሐ እንትኸውን፤ 47 ሺሕን 377 ኢትዮጵያዊያን ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ።

ኣብ ከይዲ ድማ 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ዝተኸፈለ ገንዘብ ዝተኣከበ እንትኸው 10 ነጥቢ 7 ሚሊዮን ብፅሒታት ኣክሲዮን ተሸይጦም።

6 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መሸጣ 10 ሚኢታዊ ኣክሲዮን ኢትዮ ቴሌኮም ዕላዊ ምግባሮም ይዝከር።

ብመቅደስ ከበደ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.