150 ፕሮጀክትታት ትምህርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ባጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ኣብ ምምሕዳር እታ ከተማ 150 ፕሮጀክትታት ትምህርቲ ተመሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኖም ኢለን።
ኣብቲ ባጀት ዓመት ልዕሊ 5 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ብዝኾነ ወፃኢ ፕሮጀክትታት ትምህርቲ መሪቕና ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይርና ኢለን።
ካብ መንጎ እቶም ፕሮጀክትታት 14 ሓደሽቲ ኣብያተ ትምህርቲ፣ 64 ምስፍሕፋሕ ዝተገበረለን ነባር ኣብያተ ትምህርቲ፣ 1 ሺሕን 655 መምሀሪ ክፍሊታት ከምኡ ‘ውን ክፍሊታት ኣይሲቲን ኣብያተ ፈተነን ከምዝርከብዎም ኣብሪሀን።
ብተወሳኺ መመገቢ ኣዳራሻት፣ ኣብያተ መፃሕፍቲ፣ ሜዳታት ስፖርትን ሓዊሱ ካልኦት እተን ኣብያተ ትምህርቲ ምቹኣት ንክኾና ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ተዛሪበን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!