2ይ መዓልቲ መድረኽ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ሃገራዊ ዘተ ትካላትን ማሕበራትን ፌዴራል ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መድረኽ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ሃገራዊ ዘተ ትካላትን ማሕበራትን ፌዴራል 2ይ መዓልቲ ውዕሎኡ እናተኻየደ ይርከብ።
ኣብ ሸውዓተ ጉጅለ ተኸፋፊሎም ትማሊ ኣብ ኣጀንዳ ሓሳባቶም እናዘተዩ ዝነበሩ ተዛተይቲ÷ ሎሚ መዓልቲ ብኣባላት ጉጅለኦም ዝተኣኻኸቡ ኣጀንዳታት እናጠናኸሩ ይርከቡ።
በዚ ድማ የኣጀንዳታት ንኡስ ጉጅለ ምስተጠናኸሩ ብፀሓፍቲ ግጅለን ኣከብቲን ኣቢሎም ንተሳተፍቲ ብንባብ ቀሪቡ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ሓፈሻዊ ኣጀንዳታት ንኡስ ጉጅለ ተኣኪቦም ናይ ሸውዓተ ጉጅለ ኣጀንዳታት ክውደቡ ኢዮም።
ኣብ ኣጀንዳ ምትእኽኻብ ማሕበራትን ትካላትን፣ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ፅዕንቶ ፈጠርቲን ማሕበረሰብ ኣንቃሕቲን፣ ትካላት ዴሞክራሲን ሃይማኖትን፣ ኣካላት ፀፅታን ድሕንነትን፣ ትካላት ሚዲያ ከምኡ እውን ተወከልቲ መንግስቲ እናተሳተፉ ይርከቡ።
ብይስማው ኣደራው