Fana: At a Speed of Life!

2ይ ዓለም ለኸ ሰሙን ክሊማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ካልኣይ ዓለም ለኸ ብኢትዮጵያ ዝተዳለወ ካልኣይ ኣህጉራዊ ሰሙን ኣብ ሓዱሽ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብቲ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ፣ ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ተረኺቦም።

እቲ “ዘተታት ናብ ተግባርን ውፅኢትን ምቕያር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ለውጢ ከባቢ ኣየር ቃል ኪዳናት ናብ ግሁድ ተግባር ምቕያር ጠመተ ምግባሩ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ዕላማታት ልምዓትን ፖለቲካዊ ቆራፅነት ናብ ጭቡጥን ጥንኩርን ለውጢ ብምትርጓም ን2ይ ዋዕላ ክሊማ ኣፍሪካ ዝኸውን ናይ ፖሊሲ ሓሳባት ዝዳልወሉ ቦታ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ብራዚል ዝካየድ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት (ኮፕ-30) ናይ ሓባር ኣጀንዳ ንምቕራፅ ከምዝሕግዝ ትፅቢት ይግበር።

ብተመሳሳሊ 2ይ ጉባኤ ክሊማ ኣፍሪካ ካብ ዕለት 3 ክሳብ 5 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም ናይ ኣፍሪካን ካልኦት መራሕቲ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላት ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ዝተረኸብሉ ክኻየድ እዩ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.