2ይ ፀወታታት ውድድር ኦሎምፒክ መናእሰይ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካልኣይ ፀወታታት ውድድር ኦሎምፒክ መናእሰይ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ፡፡
እቲ ውድድር “ውድድር ኦሊምፒክ መናእሰይ ንብራኸ ሃገር” ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ ሎሚ መዓልቲ 15 ክሳብ 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ካካየድ ኢዩ፡፡
እቲ ውድድር ብ19 ዓይነታት ስፖርት ዝካየድ እንትኸውን ኩለን ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ክሳተፋ ኢየን።
ውድድራት ኣትሌቲክስ ካብ 19 ክሳብ 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ክካየዱ ኢዮም።
ኣብ ስነ ስርዓት መኽፈቲ እቲ ውድድር ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣመራርሓን ቤተሰብን ስፖርት፣ ተወዳደርቲ ከምኡ እውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!