Fana: At a Speed of Life!

2017 ውድድር ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ውድድር ዓመት 2017 ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ብሰዓራይነት መድን ኢትዮጵያ ተዛዚሙ፡፡

እቲ ፕሪምየር ሊግ ሎሚ ሰዓት 10 ኣብ ዝተካየደ ውድድር ዓመት መወዳእታ ፀዋታ መድን ኢትዮጵያን ካብቲ ሊግ ምውራዱ ዘረጋገፀ ምስ ስሑል ሸረ ኣብ ዘካየድዎ ፀዋ ፈፃመ ረኺቡ፡፡

ኣብቲ ፀወታ ሻምፕዮን ሊግ መድን ኢትዮጵያ ኣብ መጀመርያ ግማሽ ደቂቓ ብዘቁፀሮ 3 ሽቶታት ስሑል ሽረ 3 ን 0 ስዒራታ።

መድን ዓወት ሸቶታት ኣቡበከር ሳኒ፣ ወገኔ ገዛሀኝን ዋንቻ ቱትን ኣቁፂሮምዎ፡፡

ብካሊእ ወገን ድማ ሃዋሳ ከተማ ዓሊ ሱሌማን ብ21 ሸቶታት ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ልዑል ሽቶ ዘቑፀረ ኮይኑ ዛዚሙ።

ከምኡ እውን ኣብቲ ውድድር ዓመት ናይ መድን ኢትዮጵያ ብኣሰልጣኒነት ዝመርሑ ገብረመድህን ሃይለ ኮኸብ ኣሰልጣኒ ብምባል ዝተመረፂ እንትኾን እዙይ ንሳልሳይ ግዘ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.