3ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሰላም፣ ሓበራዊነትን ልምዓትን ፅባሕ ምክያድ ክጅምር እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) 3ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሰላም፣ ሓበራዊነትን ልምዓትን ካብ 5 ክሳብ 6 ግንቦት 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኣፍሊጦም፡፡
እቲ ጉባኤ ምስ ጂ 20 ፎረም ኢንተር ፌዝ ፣ ምስ ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ትካላት ብምትሕብባር ዝተዳለወ’ዩ።
ላዕለዎት ኣቦታት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ፣ ዓለምለኸ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ምሁራት፣ ብዓለም ለኸ ደረጃ ዝርከቡ መንግስታውን ዘይመንግስታውን መራሕቲ ትካላትን ካልኦትን ክሳተፉ እዮም፡፡
ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ዓለም ሃገራት ልዕሊ 80 ዝኾኑ ትካላት መራሕቲ ሃይማኖት፣ መራሕቲ ባህሊ፣ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባትን ምሁራትን ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይኣትው ኣለው፡፡
እቲ ጉባኤ ዘላቒ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት፣ ኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪካ 2063ን ኣብ ቀፃሊ መስከረም ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝካየድ ኣብ 2025 ጉጅለ 20 ኣባል ሃገራት ጉባኤ ጠመተ ዝገብር እዩ፡፡
ከምኡ እውን ኣብ ህንፀት ሰላም፣ ሰብኣዊ መሰል፣ ለውጢ ንብረት ኣየር፣ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ትምህርቲን ካልኦት ኣጀንዳታ ልምዓት ብምዝታይ ንጉጅለ 20 ኣባል ሃገራት ምክረ ሓሳብ ከምዘቕርብ ተሓቢሩ፡፡
ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ብምክብባርን ልምዲ ሓበራዊነት ከምዝረክቡን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተካየደ ዝርከብ ስራሕቲ ልምዓትን ታሪካዊ ቦታታትን ከምዝዕዘቡ ጉባኤ ትካላት ሃይማት ኢትዮጵያ ሓቢሮም፡፡
ብመሳፍንት እያዩ