309 መራኸብቲ ሓፋሽ ፍቓድ ፈነወ ረኺበን
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ 309 መራኸብቲ ሓፋሽ ተመዝጊበን ፍቓድ ፈነወ ረኺበን እናተንቀሳቐሳ ይርከባ፡፡
ብመሰረት ሕጊ ፍቓድ ኣገልግሎት ብሮድካስት ኩነታት ፍቃድ ዝውሰን፣ፍቃድ ዝውሃ፣ዝሕድሶን ዝእግዶን በቲ በዓል መዚ፤ 254 ኣብ ፈነወ ከምዝኾና 55 መራኸብቲ ሓፋሻት ድማ ኣብ ምድላዋት ምዃነን ኣፍሊጡ፡፡
ኣብዚ ፍቓድን ምዝገባን ዝረኸባ 175 ብሮድካስት፣ 73 መርበብ ሓበሬታ፣ 20 ሕትመትን 35 ናይ ወፃኢ ሚድያን ከምዘለዋ ገሊፁ፡፡
ከምኡ እውን ሓሙሽተ ናይ ክፍሊት ኢንተርኔት ብሮድካስትን ናፃ ብሮድካስት ኢንተርኔት መራኸብቲ ሓፋሽ ብሓፈሻ 390 መራኸብቲ ሓፋሽ በቲ በዓል ስልጣን ፍቃድ ረኺበን እናተንቀሳቐሳ ምዃነን ገሊፁ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!