Fana: At a Speed of Life!

309 መራኸብቲ ሓፋሽ ፍቓድ ፈነወ ረኺበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ 309 መራኸብቲ ሓፋሽ ተመዝጊበን ፍቓድ ፈነወ ረኺበን እናተንቀሳቐሳ ይርከባ፡፡

ብመሰረት ሕጊ ፍቓድ ኣገልግሎት ብሮድካስት ኩነታት ፍቃድ ዝውሰን፣ፍቃድ ዝውሃ፣ዝሕድሶን ዝእግዶን በቲ በዓል መዚ፤ 254 ኣብ ፈነወ ከምዝኾና 55 መራኸብቲ ሓፋሻት ድማ ኣብ ምድላዋት ምዃነን ኣፍሊጡ፡፡

ኣብዚ ፍቓድን ምዝገባን ዝረኸባ 175 ብሮድካስት፣ 73 መርበብ ሓበሬታ፣ 20 ሕትመትን 35 ናይ ወፃኢ ሚድያን ከምዘለዋ ገሊፁ፡፡

ከምኡ እውን ሓሙሽተ ናይ ክፍሊት ኢንተርኔት ብሮድካስትን ናፃ ብሮድካስት ኢንተርኔት መራኸብቲ ሓፋሽ ብሓፈሻ 390 መራኸብቲ ሓፋሽ በቲ በዓል ስልጣን ፍቃድ ረኺበን እናተንቀሳቐሳ ምዃነን ገሊፁ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.