Fana: At a Speed of Life!

315 ዕውት ንቅለ ተኸላ ብሌን ዓይኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ግልጋሎት ባንኪ ደምን ሕዋስ ዋህዮን ኢትዮጵያ 315 ዕውት ሕክምና ንቅለ ተኸላ ብሌን ዓይኒ ተዋሂቡ ኢሉ፡፡

ኣብቲ ሕብረተሰብ እናዓበየ ዝመፅአ ተግባር ውህብቶ ደምን ብሌን ዓይኒን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ ሃገራዊ ምንቅስቃስ “ንህይወትን ብርሃንን ከም ውህብቶ ይሃቡ ደምን ብሌን ዓይንን ይሃቡ” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ፅባሕ ክካየድ እዩ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ግልጋሎት ኣይተ ሃብታሙ ታዬ ከምዝበልዎ፤ ንቅለ ተኸላ ብሌን ዓይኒ ተበፃሒ ንምግባር ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ፡፡

ብዝተፈላለየ መልክዑ ይውሃብ ዝነበረ ንቅለ ተኸላ ሕክምና ብሌን ዓይኒ ተበፃሒ ንምግባር ኣብ ትሕቲ ግልጋሎት ባንኪ ደምን ሕዋስ ዋህዮን ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ድማ እቲ ግልጋሎት ሕክምና ፍትሓውን ተበፃሕነትን ኣብ ምግባር ልዑል ግደ ምብርካቱ ብምሕባር፤ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም 315 ንቅለ ተኸላ ሕክምና ብሌን ዓይኒ ተዋሂቡ ኢሎም፡፡

522 ሰባት ድማ ብሌን ዓይኖም ንምውፋይ ቃል ከምዝኣተዉ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ ሕክምና ብስፍሓት እናሃበ ዝርከብ ኣብ ሆስፒታል ዳግማዊ ምኒልክ ኮምፕሪሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ኣዲስ ኣበባ እቲ ሕክምና ኣብ ኩሎም ከባቢታት ተበፃሒ ንምግባር ጠመተ ሂቡ ይስራሕ ኣሎ፡፡

ንኣብነት ኣብ ሃዋሳ፣ ጎንደር፣ ጅማን መቐለን ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት መጥባሕቲ ዓይኒ ይግበር ከምዘሎ ኣብራህሪሆም።

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.