Fana: At a Speed of Life!

4ይ ኤክስፖ መዓድንን ቴክኖሎጂን ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ 4ይ ኤክስፖ መዓድንን ቴክኖሎጂን ኣብ ማእኸል ኢንተርናሽናል ኮንቬንሽን ኣዲስ ኣጀሚሮም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋንት ከምዝበሉዎ÷ እቲ ኤክስፖ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ምስ ኣልማዕቲ እቲ ዓውዲ ከምኡ እውን ተመራመርን ነጋዶን ምትእስሳር ንኽፈጥሩ ዘኽእል ኢዩ፡፡

ኣብ ገፀ ምድሪን ከርሰ ምድሪን ዝርከብ ብዙሕ ዝማዕነለ መዓድን ዘለዋ ኢትዮጵያ ዝነበራ ሃፍቲ ብግቡእ እንተይተጠቐመት ምፅናሓ ኣልዒሎም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ስብራት እቲ ዓውዲ ብዝፅግን መልክዑ ብግቡእ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣመልኪቶም፡፡

መንግስቲ ንዓውዲ መዓድን ልዑል ትኹረት ብመሃብ እናሰርሐ ከምዝርከብ ብምሕባር÷ ካብ ሞንጎ ሓሙሽቲኦም ዓምዲታት ኢኮኖሚ ሓደ መዓድን ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ንኣብነት ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ብ1ዐ ቢሊየን ዶላር ዝጀመረቶ ፋብሪካ ተፈጥሮ ጋዝ፣ ፋብሪካታት መፃረዪ ነዳዲን ዘበናዊ ዱኽዒን ህንፃታት ፀሪሖም፡፡

እቲ ኤክስፖ ካብ 4 ክሳን 7 ሕዳር 2018 ዓ.ም ዝፀንሕ እንትኸውን÷ በዚ ድማ ኣፍረይቲ እቲ ዓውዲን ኣቕረብቲን፣ ኣፍረይቲ ቴክኖሎጂን ኣቕረብቲን ተራኺቦም ፍርያቶምን ኣገልግሎቶምን ከፋልጡ ኢዮም፡፡

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.