Fana: At a Speed of Life!

4ይ ጉባኤ ሳይንስ ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ ስደት፣ ምምዝባልን ከተማነትን ብምጥማት ዘሰናደኦ 4ይ ጉባኤ ሳይንስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ጉባኤ “ስደት፣ ምምዝባልን ከተማነት ኣብ ዘላቒ ልምዓት ዘለዎም ፅዕንቶ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ኢዩ።

ምሁራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ተመራመርቲ፣ ሓንፀፅቲ ፖሊሲ፣ ከንቲባታት፣ ሰብ ሞያ ልምዓትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም።

እቲ ጉባኤ ምኽንያታት ስደትን ምምዝባልን ብምፍታሽ ኣብ ፍልጠትን ጭቡጥ ሓበሬታን ዝተመስረቱ ኣንፈታት መፍትሒ ከምዝቕመጡ ተሓቢሩ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ሰደተኛታትን ተመለስቲን ወ/ሮ ጠይባ ሓሰን÷ ኣብ ኣተሓሕዛን ኣገልግሎትን ስደተኛታት ዕዉት ተሞክሮ ኢትዮጵያ ኣቕሪበን።

ተፀወዒ ኢትዮጵያ ኣብ ኢጋድ ኣይተ ኣበባው ቢሆነኝ ብግደኦም÷ ኣብቲ ዞባ ዕቤት ከተማ ዘምፀኦም ፈተናታት ዝተዋደደን ሓበሬታ መሰረት ዝገበረን ምላሽ ከምዘድልዮም ገሊፆም።

ዜጋታት ኣብ ኢጋድ ቀጣና ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ኣብ ዕቤት ከተማታት፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፅዕንቶ እናሕደረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ብመራኦል ከድር

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.