Fana: At a Speed of Life!

400 ሜጋ ዋት ሶላር ፓርክና 700 ኪሎዋት ሰዓት ሶላር ሚኒ ግሪድን ናይ ምጅማር ስምምዕነት

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂ ምስ ዓለም ለኸ ሶላር ኣሊያንስ ናይ 400 ሜጋ ዋት ሶላር ፓርክን 700 ኪሎዋት ሰዓት ሶላር ሚኒ ግሪድን ንምጅማር ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

ሚኒስትር ዴኤታ ማይ ኢነርጂን ሱልጣን ወሊ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝሉዎ÷ ኢትዮጵያ ሓይሊ ፀሓይ ናይ ምፍልፋል ልዑል ዓቕሚ የሃልዋ እምበር ካብቲ ዓውዲ ክሳብ ሕዚ ትረኽቦ ሓይሊ ትሕቲ 10 ሜጋ ዋት ኢዩ።

ኣብዛ ሃገር ካብ ዋና መስመር ርሒቖምን ተበታቲኖምን ዝርከቡ መንደራት ሓይሊ ክረኽቡ ዘይኽእሉ ብምዃኖም ነዞም ከባቢታት ዝሕደስ ሓይሊ ተበፃሒ ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ብምሕባር÷ እቲ ስምምዕነት እውን ናይዚ ኣካል ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓይሊ ሶላር ዝሰርሕ ፓምፕ ተበፃሒ ብምግባር ሕርሻ ንምዝማን ከምኡ እውን ምልቃቕ ካርበን ባዶ ዝገበረ ሓይሊ ብምስፍሕፋሕ ብኽለት ኣየር ንምክልኻል እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ 124 ኣባል ሃገራት ዘለወኦ ዓለም ለኸ ሶላር ኣሊያንስ÷ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ቴክኖሎጂታት ሶላር ኣብ ኢትዮጵያ ንምስፋሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብይስማው ኣደራው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.