Fana: At a Speed of Life!

5ይ ዙር ውድድር ጎብለላት ፋና ላምሮት ፅባሕ ክቕፅል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ድሙቕን ሃንቀውታ ዝግበረሉን 5ይ ዙር ውድድር ጎብለላት ድምፃውያን ፋና ላምሮት ፅባሕ ክቕፅል ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓደ ዝተራኸቡ ናይ ክልቲኡ ምድብ ተወዳደርቲ ሸውዓት ብምዃን ናብ ጥቓ ምዝዛም ውድድሮም ፅባሕ ዘካይዱ እንትኾኑ፤ ኤፍሬም ጌታቸው፣ ናሆም ነጋሽ፣ ጴጥሮስ ማስረሻ፣ ካሳሁን ዘውዱ፣ እየሩሳሌም ኣሰፋ፣ ማዕረግ ሃይሉን እዮቤል ፀጋዬን ብርቱዕ ንሕንሕ ክገብሩ ኢዮም።

ብቐጥታ ፈነወ ኣብ ዝካየድ ውድድር ፤ ተወዳደርቲ ብተመልከትቲ ብዝተመረፁሎም ሙዚቃ እውን ክነሓንሑ ኢዮም።

እቲ ውድድር ኣብ ፋና ቴሌቪዥንን ኩሎም ኣማራፂት ማሕበራዊ ሚዲያን ብቐጥታ ፈነወ ክመሓለለፍ ኢዩ።

ብለምለም ዮሃንስ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.