7ይ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ስራሕቲ ምድላው ተጀሚሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ስራሕቲ ምድላው ጀሚረ ኢሉ፡፡
ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላተወርቅ ሃይሉ ምድላው ዝቕፅል ሃገራዊ መረፃን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን፡፡
ኣብ መግለፂአን ድማ እናተወገነ ዝርከብ ስራሕቲ ኣብ 2018 ዓ.ም ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ መሰረት ብምግባር ኢዩ ኢለን፡፡
ቦርድ መረፃ ኣብ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ኣድሂቡ ብዘካየዶ መፅናዕቲ ናይ ሓሙሽ ዓመት ስትራቴጂያዊ ፕላን ከምዘሰናደአ ኣፍሊጦም፡፡
ንዝቕፅል መረፃ እታወት ዝኾኑ ተሞክሮታትን ክመሓየሹ ኣብ ዝግበኦም ጉዳያት እውን ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ዘተ ከምዝተገበረ ሓቢረን፡፡
ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ከይዲ መረፃ ካብ ምንኽኻእ ዝነፅሀ ንምግባር እውም ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ ኢለን፡፡
ጣቢያታት መረፃ ብግቡእ ንምፍላይን ንምቁፅፃርን ዘኽእል ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት 12 ሺሐ ዝኾኑ ጣቢያታት መረፃ ናይ ምፅራይ ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛሪበን።
ፈተና ኣፈፀምቲ ጣቢያታት መረፃ ብኦንላይን ከምዝወሃብ ዝገለፃ እተን ኣካቢት፤ ኣብ እዋን መረፃ ናይ ሕድሕድ በዓል ሙያ ምንቅስቓ ዘመላኽት ኦፕሬሽናል ማንዋል ከምዝተሰናደአ ገሊፀን፡፡
ብኣሸናፊ ሽብሩ