7ይ ዓውደ ምርኢት ንግዲ ‘ኣግሮ ፉድ’ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቻይና፣ ጀርመን፣ ህንዲ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ቱርኪን ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብን ሓዊሱ 14 ሃገራት ዝሳተፍሉ 7ይ ዓውደ ምርኢት ንግዲ ‘ኣግሮ ፉድ’ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሚሊንየም ኣዳራሽ ምክያድ ጀሚሩ።
ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 14 ሰነ 2017 ዓ.ም ዝካየድ ዓውደ ምርኢት ደኤታ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ሓሰን መሓመድ፣ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ በርክ ባራንን ኣምባሳደር ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ ዣንዲር ፌሬራ ዶስ ሳንቶስን ኣጀሚሮም፡፡
ኣይተ ሓሰን መሓመድ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ÷ ኢትዮጵያ ንዓውዲ ኣግሮ-ኢንዱስትሪ ውፅኢታውነት ንምዕባይ ብትኹረት ትሰርሕ ኣላ።
ነዙይ ድማ ፓርክታት ኣግሮ ኢንዱስትሪታት ብምህናፅ ሰብ ሃፍቲ ኣብቲ ዓውዲ ንክዋፈሩ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም፡፡
እቲ መርሃ ግብሪ ኣብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝተዋፈሩ ትካላት ንግዲ ምትእስሳር ንክፈጥሩን ልውውጥ ልምዲ ክገብሩ ዘኽእል ምዃኑ ገሊፆም፡፡
ኣብቲ ዓውዲ ምርኢት ልዕሊ 130 ትካላት ብምስታፍ ፍርያቶምን ግልጋሎቶምን ንምርኢት ኣቕሪቦም፡፡
ሕርሻ፣ምግብን መስተን፣ ከምኡ’ውን ፕላስቲክ፣ ሕትመትን መዐሸጊ ቴክኖሎጂታትን ካልኦት ፍርያትን ንዓውዲ ምርኢት ቀሪቦም።
ብመላኩ ገድፍ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!