8 ነጥቢ 9 ቢሊየን ሊትሮ ፀባ ፈሪዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ መፈለምታ 2017 ዓ.ም ክሳብ ሐዚ 8 ነጥቢ 9 ቢሊየን ሊትሮ ፀባ ከምዝፈረየ ኢንስቲትዩት ልምዓት እንስሳ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ዳኛቸው በየነ (ዶ/ር)ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ፥ ስራሕቲ ትሩፋት ሌማት ካብ ዝጅምር ስራሕቲ ምምሕያሽ ዓሌት እንስሳት ብስፍሓት ይትግበር ኣሎ።
ኣብ ስራሕቲ ምፍራይ እንስሳት ዝሳተፉ ዘለዉ ክፋላት ማሕበረሰብ ንዝሓሸ ዓሌትይ ቆላሕታ ምሃቦም ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ኣስታት 3 ሚሊየን እንስሳት ናይ ምድቓል ስራሕ ከምዝተሰርሐ ሓቢሮም።
እዚ ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ናይ 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ሓለፋ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።
ኣብዚ ባጀት ዓመት ለዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዓሌት ዝተመሓየሹ ኣምራኹት ካብ ምውላዶም ብተወሳኺ ናይ ፃባ ፍሪያት ምውሳኺ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ 8 ነጥቢ 9 ቢሊየን ሊትሮ ፀባ ፈሪዩ ኢሎም።
ብዮናስ ጌትነት