ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መላእ ዓለም 18 ሚሊየን ሰባት ብሕማም ልብን ወቅዒ ልቢን ከምዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
በቢ ዓመቱ ካብ ዝሞቱ 18 ሚሊየን ሰባት ድማ 80 ሚእታዊ ብቐጥታ ምስ ሕማም ልብን ወቅዒ ልብን ዝተሓሓዘ እዩ።
ሕማም ወቅዒ ልቢ “ኮሮናሪ” ዝተብሃለ ንልቢ ዘጥቅዕ እንትኾን፤ኣብ ውሽጢ መትንታት ቀስ እናበለ ዝተዋህለለ ስብሒ፣ ደም ብቐሊሉ ከምዘይሓልፍ ብምግባር ዝኽሰት ሕማም እዩ።
ኣብ ኣሜሪካ 805 ሽሕ ሰባት ብወቕዒ ልቢ ከምዝጥቅዑ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ይሕብር፡፡
በዓልቲ ሞያ ሕማም ልቢ ዶ/ር ኣይሊን ባርሰግያን ሕማም ወቕዒ ልቢ ምስ ብስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ዝመፅእ ሕማም ከደናግር ከምዝኽእል ይሕብራ፡፡
ምልክት ወቕዒ ልቢ ምስልቻው፣ ረሃፅ፣ ሕፅረት ትንፋስን፣ ቃንዛ ኣፍ ልቢን ክኸውን ይኽእል እዩ እውን ይብላ፡፡
ብቀንዲ ድማ ሽጋራ ምትካኽን መስተ ምስታይን ወይድማ ብዘርኢ ዓሌት ከጋጥም ከምዝኽእል ገሊፀን፡፡
ወቅዒ ልቢ ንምክልኻል ዝተመጣጠነ ምግቢን ኣካላዊ ምንቅስቃሳት ምዝውታርን ፀቕጢ ደምን ኮሎስትሮልን ምንካይ ከምዝግባእ ሚዒደን፡፡
ከምኡ እውን ኣብ መዓልቲ 30 ደቒቓ ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ መዓልቲ ኣካላዊ ምንቅስቃሳትን ብምግባር ወቕዒ ልቢ ምክልኻል ከምዝኽእል ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡