ኣብ ኣሜሪካ ቪዛ ዝተሰረዞም ተዓዋቲ ኖቤል
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሜሪካ ንናይጄሪያዊ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቬል ዎሌ ሾይንካ ቪዛ ምስራዛ ተሓቢሩ።
ወዲ 91 ዓመት ናይጄሪያዊ ደራሲ ዎሌ ሾይንካ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል እንትኸውን÷ ካብ ኣሜሪካ ዝተውሃቦም ስደተኛ ዘይኮኑ ቪዛ ከምዝሰረዘን ከም እንደገና ኣሜሪካን ንምጉብናይ እንተደሊዮም ዳግም ንኸመልክቱ ከምዝተነገሮም ገሊፆም።
ኣብ ናይጄሪያ ሌጎስ ዝርከብ ቆንስላ ኣሜሪካ ምስራዝ ቪዛ ንምዝዛም ፓስፖርቶም ብመሓዝ ንኽቐርቡ መልእኽቲ ከምዝለኣኸሎም እውን ተዛሪቦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ቪዛ የብለይን፤ ካብ ዩናይትድ ስቴትስ ብግልፂ ተኣጊደ ኢየ ዝበሉ እቶም ደራሲ÷ ኣነ ክርኢ እንተደልዮም ኣብ ከምዝረኽቡኒ ይፈልጡ ኢዮም ኢሎም።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2016 ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ ዙር መረፃ ፕሬዚዳንት ብምዃን ምምራፆም ብምቅዋም ፍቓድ መንበሪኦም ከምዝቐደዱ እውን ሓቢሮም።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!