Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ቪዛ ዝተሰረዞም ተዓዋቲ ኖቤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሜሪካ ንናይጄሪያዊ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቬል ዎሌ ሾይንካ ቪዛ ምስራዛ ተሓቢሩ።

ወዲ 91 ዓመት ናይጄሪያዊ ደራሲ ዎሌ ሾይንካ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል እንትኸውን÷ ካብ ኣሜሪካ ዝተውሃቦም ስደተኛ ዘይኮኑ ቪዛ ከምዝሰረዘን ከም እንደገና ኣሜሪካን ንምጉብናይ እንተደሊዮም ዳግም ንኸመልክቱ ከምዝተነገሮም ገሊፆም።

ኣብ ናይጄሪያ ሌጎስ ዝርከብ ቆንስላ ኣሜሪካ ምስራዝ ቪዛ ንምዝዛም ፓስፖርቶም ብመሓዝ ንኽቐርቡ መልእኽቲ ከምዝለኣኸሎም እውን ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ቪዛ የብለይን፤ ካብ ዩናይትድ ስቴትስ ብግልፂ ተኣጊደ ኢየ ዝበሉ እቶም ደራሲ÷ ኣነ ክርኢ እንተደልዮም ኣብ ከምዝረኽቡኒ ይፈልጡ ኢዮም ኢሎም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2016 ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ ዙር መረፃ ፕሬዚዳንት ብምዃን ምምራፆም ብምቅዋም ፍቓድ መንበሪኦም ከምዝቐደዱ እውን ሓቢሮም።

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.