ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት ካካዎ ዝለዓለ ውፅኢት ንምምፃእ ዘኽእል ዓቕሚ ኣለዋ
ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት ካካዎ ዝለዓለ ውፅኢት ንምምፃእ ዘኽእል ዓቕሚ ኣለዋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት ካካዎ ዝለዓለ ውፅኢት ንምምፃእ ዘኽእል ዓቕሚ ኣለዋ ኢሉ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሳ ኢትዮጵያ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ንጉሴ ደቻሳ (ፕ/ር) ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ፤ ኣብ ወፃኢ ዕዳጋ ጠለብ ዘለዎምን ንኢንዱስትሪ እታወት ዝኾኑን ዝራእቲ ሓዊሱ ልዑል ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎም ዝራእቲ መፍረያነት ንምድንፋዕ ዘኽእል ምርምር እናተኻየደ ይርከብ።
ብብርኪ ዓለም ልዑል ጠለብ ዘለዎምን ኣብ ኢትዮጵያ ዘይፍለጥን ዝራእቲ ካካዎ ንምልማድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ብማእኸል ምምርምር ሕርሸ ቴፒ እቲ ኢንስቲትዩቱ ኣቢሉ ምርምር ዝራእቲ ካካዎ እናተኻየደ ይርከብ ኢሎም።
በዚ ድማ ቸኮሌት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ጥዑማት ሸቐጣት ምግቢ ንምፍራይ ከም እታወት ዘገልግል ካካዎ ኣብ ኢትዮጵያ ንምፍራይ ዘኽእል ልዑል ዓቕሚ ከምዘለዋ ከምዝተርኣየ ገሊፆም።
ማእኸል ምምርምር ሕርሸ ቴፒ ልዕሊ 32 ሺህ ዝራእቲ ካካዎ ብምስንዳእ ኣብ 2017 ዓ.ም እዋን ክረምቲ ንሓረስቶት ምቕራቡ ይዝከር።
ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ዝኾና ኮትዲቯር፣ ጋና፣ ካሜሩንን ናይጄሪያን ካካዎ ብምፍራይ ብብርኪ ዓለም ይፍለጣ።
ብኣቢይ ጌታሁን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!