ሃገራት ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ – ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ምስ ሚኒስትራት ምክልኻልን መራሕቲ ልኡኻትን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዘተ ኣካይደን።
እተን ሚኒስትር ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ኬንያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ዚምባብዌ፣ ዛምቢያ፣ ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ቦትስዋና፣ ሩዋንዳ፣ ኮንጎ፣ ካሜሩን፣ ማሊን ኣልጀሪያን ዘተ ኣካይደን።
ኣብቲ ዘተ ቅድሚ ሕዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝተፈረሙ ናይ ምትሕብባር ስምምዓት ዘለወን ብርኪ ኣፈፃፅማ ኩነታት ብዕምቆት ከምዝተገምገመ ተሓቢሩ።
ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ፤ ዓወት ዓድዋ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘጋጥምዋ ህልው ኩነታት ፀጥታን ድሕንነትን ዝኣመሰሉ ስግኣታት ንምምኻት ከም ዓብዩ መንፈሳዊ ፍልፍል ማዕቀፍ ምትሕብባር ከገልግል ይግባእ ፡፡
ሰላምን ምርግጋእን ኣብታ ኣህጉር ንምርግጋፅ ዘኽእል ብሓድነትን ብምውህሃድን ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚረናሉ፡፡
ብፍላይ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ስግግር ወታደራዊ ቴክኖሎጂ፣ ስልጠናን ምልውዋጥ ተመኩሮን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ተሓቢሩ፡፡
ብተወሳኺ ግብረሽበራን ስግረ-ዶባዊ ስግኣታት ፀጥታን ብሓባር ንምክልኻል ዘኽእሉ ስልታዊ ኣንፈታት ምትሕብባር ተቐሚጦም።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!