9ይ ፎረም ቢዝነስ ኣፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)9ይ ፎረም ቢዝነስ ኣፍሪካ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ፡፡
እቲ ፎረም “መፃኢ ግዘ ኣፍሪካ ብፋይናንስ ምድጋፍ፣ ስራሕን ኢኖቬሽን ንዘላቒ ትራንስፎርሜሽን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡
ቀንዲ ዕላማ እቲ ፎረም ቢዝነስ መናእሰይ ኣፍሪካ ብኢኮኖሚ ንምጉልባት ኣድለይቲ ዝኾኑ ፍልፍላት ፋይናንስ፣ ምሕዝነታትን ኢንቨስትመንታትን ምትእኽኻብ ከምዝኾ ተሐቢሩ፡፡
መንእሰይ ሰብ ሞያ ፈጣራ ምስ ሰብ ሃፍቲን ኣቕረብቲ ፋይናንስን ዘራኽብ ዓውደ ምርኢት ክካየድ ኢዩ፡፡
ንክልተ መዓልቲታት ኣብ ዝፀንሕ ፎረም፤ መድረኽ ዘተ ራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካን ሰብ ሞያን ከምዝህሉ ተሓቢሩ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፣ ተዋሳእቲ ዘፈር ውልቀ፣ ትካላት ልምዓትን ርካላት ፋይናንስ ተቋማት ተወካዮች ተገኝተዋል፡፡
ብኣንዷለም ተስፋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!