ኣብ ትግራይ ብልምዓት መስኖ 13 ሚሊየን ኩንታል ፍሪያት ንምርካብ ፍሉይ ጠመተ ሂብካ ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ብልምዓት መስኖ 13 ሚሊየን ኩንታል ፍሪያት ንምርካብ ፍሉይ ብምሃብ ይስራሕ ምህላዉ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ፡፡
ዳይሬክተር ልምዓት ሆርቲካልቸር እቲ ቢሮ ኣይተ ሃይለ ታደለ ንፋና ዲጂታል ከምዝገሉፁዎ÷ ኣብዚ በጀት ዓመት ንስራሕቲ ልምዓት መስኖ ፍሉይ ጠመተ ብምሃብ ይስራሕ ኣሎ፡፡
ብምዃኑ 69 ሺሕን 552 ሄክታር መሬት ብመስኖ ብምልማዕ 13 ሚሊየን ኩንታል ፍሪያት ንምርካብ ተተሊሙ ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ገሊፆም፡፡
ልዕሊ 49 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 228 ሺሕን 906 ሓረስቶት ኣብ ልምዓት መስኖ ተጠቀምቲ ንክኾኑ ትልሚ ከምዝተትሓዘ እውን ኣብሪሆም።
ካብ መፈለምታ እዚ በጀት ዓመት ጀሚሩ ንስራሕቲ ልምዓት መስኖ ፍሉይ ጠመተ ከምዝተገበረ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር፥ “ዘላ ፀጋ ማይ ፀንቂቕና ብምጥቃም ኣብ ልምዓት መስኖ ለውጢ ነምፅእ!” ዝብል ቴማ ብምሓዝ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው፥ ንሓረስቶ ስልጠናን ግንዛበን ምሃብ፣ በጀት ምፅዳቕ፣ ፈልሲታት ኣሕምልቲን ፍረምረን ምዝራእ፣ ምድላው ዱኽዒን ምሩፅ ዘርኢን ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡
ካብ መፋርቕ ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ ናብ ተግባር ብምእታው ብትልሚ ካብ ዝተትሓዘ መሬት 61 ሚኢታዊ ዝኸውን ናብ ልምዓት ከምዝኣተወን ዝተረፈ ኣብ ከይዲ ከምዝርከብን ኣብሪሆም፡፡
እቲ ምንቅስቓስ ልምዓት ካብ ወረዳን ዞባን ጀሚሩ ምስ ክልል ብምትእስሳርን ብምንባብን የስራሕ ኣሎ ኢሎም።
ካብ መንግስቲ ፌዴራልን ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብዝተገበረ ሓገዝ 9 ሺሕ ኩንታል ምሩፁ ዘርኢ ንሓረስቶት ከምዝተኸፋፈለ ዝገለፁ ኣይተ ሃይለ፥ ይኹን እንበር ኣብ ቀረብ ምሩፅ ዘርኢ ሕዚ እውን ሰፊሕ ፀገም ከምዘሎ ሓቢሮም።
እዚ ፀገም ንምፍታሕ መንግስቲ ፌዴራል ሓገዝ ንክገብር ተላቢዮም።
“ልምዓት መስኖ ንትግራይ ናይ ሞትን ሕውየትን ጉዳይ ኢዩ” ብምባል ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ብምግላፅ፥ መንግስቲ ፌዴራል እውን ካብ መፈለምትኡ ጀሚሩ ልዑል ሓገዝን ክትትልን እናገበረ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡
ሕፅረት ዘበናዊ ዱኽዒ ከየጋጥም እኹል ዝኾነ ቀረብ፣ ንብዙሓት ክኢላታት ስልጠና ኣብ ምሃብ፣ ንመስኖ ዘገልግላ ሞተራት ምብርኻት ዝበሉ ሓገዛት እናገበረ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡
ሚኒስቴር ሕርሻ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣስታት 166 ሞተር ፓምፕታታት ብሓገዝ ከምዘበርከተን ሚኒስቴር ደቂ ኣነስትዮን ህፃናትን እውን ኣስታት 15 ሞተራት ንዝተፀገማ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ከምዝገበረ ተዛሪቦም፡፡
ብወገን መንግስቲ ፌዴራል እናተገበረ ንዝርከብ ሓገዝ ብምምስጋን፥ ሐዚ እውን እቲ ዘሎ ፀገም ኣብ ግምት ብምእታው ዝግበሩ ሓገዛት ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ሓረስታይ ኣብ ልምዓት መስኖ ዘለዎ ግንዛበ ከምዝዓበየ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፥ ዘሎ ማይ ብጥንቃቐ ኣብ ምጥቃም፣ ጎዳጉዲ ማይ ኣብ ምውፃእ ሞተር ፓምፕ ኣብ ምጥቃም ልዑል ምልዕዓል ከምዘሎ ኣብሪሆም፡፡