Fana: At a Speed of Life!

ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል ምስ ኩባኒያ ዋንኮ ኢታሊ ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል ምስ ኩባኒያ ዋንኮ ኢታሊ ጣሊያን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዑ።

እቲ ኮርፖሬሽን፥ ህንፃታት ብሰለጤንን ፅርየትን ንምህናፅ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ህንፀት በዓል ዋና ንክኸውን ዝገብር ስምምዕ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ስልቲ ኣሰራርሓ መንበሪ ኣባይቲ ዘማዕብል ግዙፍ ፋብሪካ ተገጣጣሚ ኣባይቲ ተኸላ ንምክያድ ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኣይተ ረሻድ ከማል፥ ቤት ዕዮኦም እዋን፣ ሰለጤንን ውፅኢታዊ ኣጠቓቕማ ባጀትን ብቐሊሉ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእሉ ምዕቡላት ቴክኖሎጂታት ህንፀት ኣብ ረብሓ ንምውዓል ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ኣብሪሆም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.