Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ዝኽበር በዓል መስቀል ደመራ ምኽኒያት ብምግባር ንተሽከርከርቲ ዝዕፀዉ መገዲታት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ዝኽበር በዓል መስቀል ደመራ ምኽኒያት ብምግባር ንተሽከርከርቲ ዝዕፀዉ መገዲታት ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት እዚ፦

  • ካብ ቅዱስ ኡራኤል ኣደባባይ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ቅዱስ ኡራኤል ኣደባባይ፣
  • ካብ ኣንፈት ቦሌ ናብ መስቀል ኣደባባይ ንዝመፅኣ ተሽከርከርቲ ኦሎምፒያ ኣደባባይ ላዕልን ታሕትን፣ የማነ ፀጋምን፣
  • ካብ መስቀል ፍላወር ናብ ኦሎምፒያ ዝወስድ መገዲ ጋዜቦ ኣደባባይ፣
  • ካብ ኣጎና ሲኒማ ናብ መስቀል ኣደባባይ ንከበድቲ ተሽከርከርቲ ጥቓ ኣጎና ሲኒማ ከምኡ’ውን ንኣናእሽቱ ተሽከርከርቲ ጥላሁን ኣደባባይ (ኣራተኛ ክፍለ ጦር)፣
  • ካብ ለገሃር መብራት ናብ መስቀል ኣደባባይ ለገሃር መብራት፣
  • ካብ ቴሌ ናብ ስታድዮም ንዝጓዓዛ ቴሌ መቋረፂ፣
  • ካብ ራስ ሆቴል ናብ ስታድየም ንዝመፅኣ ተሽከርከርቲ ራስ ሆቴል፣
  • ካብ ሃራምቤ መብራት ወይ ካብ ኣምባሳደር ሲኒማ ናብ መስቀል ኣደባባይ ሃራምቤ መብራት፣
  • ካብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ጥቓ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ፣
  • ካብ ዛንቺስ ሼል ናብ ባምቢስ ዝወስድ መገዲ ብጥቓ ዛንቺስ ሼል፣
  • ካብ ጁፒተር ሆቴል ናብ ECA ዝወስድ መገዲ ብባምቢስ ሳልኮት ህንፃ ፅባሕ 16 መስከረም 2018 ዓ/ም ካብ ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት 4፡00 ጀሚሩ ክሳብ እቲ መርሃ ግብሪ ዝዛዘም እቶም መገዲታት ዕፁዋት ኢዮም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.